ምውስዋስ ቅዋም – ክምብል በለዶ- ድሕሪ ማይ ናብ በዓቲ፧

ኣብ ዝሓለፈ ቕንያት እቲ ኣብ 1997 ብሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ ጸዲቑ ከብቅዕ ንልዕሊ 15 ዓመታት ኣብ ከብሒ ፕረዚደንት ዝበለየ ቅዋምና ኣብ ኣብያተ መጻሕፍቲ ኣስመራ ይሽየጥ ምህላዉ መዛረቢ ዛዕባ ኮይኑ ቀንዩ ኣሎ። እቲ ንኣስታት ሰለስተ ዓመታት መመላእታ ሃገራዊ ክእለትን ፍልጠትን ዝፈሰሶ፡ እንተወሓደ መበገስን መወሳወስን ኪኾነና ዝኽእል ዝነበረ ዓንዲ ኩሉ ሕግታትና ዝኾነ ቅዋምና፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ንልዕሊ 15 ዓመታት ዓጊቱዎ ድሕሪ ምጽናሕ ሎሚ ኣብ ዕዳጋታት መሸጣ ኣስመራ ከምዝረአ ዝገበረሉ ምኽንያት እንታይ ኢዩ ዝብል ሕቶ ኪለዓል ግድን ኢዩ። መንግስቲ ኮነ እታ ዝርካባ ትካል ሜድያና ቲቪ ኤረ፡ ዋላ እውን እቶም ውሑዳት ተጣበቕቲ መንግስቲ ፖለቲከኛታትና ብዛዕባ ምኽንያት ምዝርጋሕን ምሻጥን ቅዋም ዛጊት ዝሃቡዎ መግለጺ ይኹን ሓበሬታ የልቦን። ምሕታምን ምዝርጋሕን ቅዋም ከም ዝኾነ ተራ መጻሕፍቲ ዝረአ ነገር ዘይክነሱ፡ ድሕሪ ኣስታት ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመታት ሎሚ “ቅዋም” ዳግም ተሓቲሙ ኣብ ዕዳጋ እናተሸጠ ብዛዕባ እቲ ቅዋም ሓቚፉዎ ዘሎ ትሕዝቶ ኮነ ብዛዕባ እቲ ቅዋም ዝእዝዞ ነገር፡ ወይ ስለምንታይ ኣብ ሎሚ በጺሑ ቅዋም ናብ ህዝቢ ኪሽየጥን ኪዝርጋሕን ከምዝተደልየ መብርህን ሓበሬታን ዘየድልዮ ጉዳይ ኣይነበረን። ግን ብዛዕብኡ ብወግዒ ምንም ዝተባህለ ነገር የሎን። ይኹን እምበር እቶም ደገፍቲ መንስግቲ ኢና ዝብሉ ግን በቲ ወትሩ ወረ-መለኽቲ ዘመሓላለፈሉ ሻምቡቆታት 03፡ “ኣይትንገር እምበር…” እናበሉ መንግስቲ ቅዋም ኪትግብር ኣብ ምሽብሻብ ከምዘሎን ድሮ እኳ ቅዋም ኣብ ዕዳጋ ቀሪቡ ይሽየጥ ምህላዉን እናጠቐሱ ኩሉ ገንዘብ ዘለዎ ወዲ ሃገር ኣብዚ ሕጂ መንግስቲ ወጢኑዎ ዘሎ “ወፍሪ ልምዓት፡ ብህዝቢ፡ ንህዝቢ፡” ዝተሰምየ ወፍሪ፡ ኪሳተፍ ጎስጓስ ጀሚሮም ኣለዉ። እቶም ሓለፋ ኩሉ ሃገራውያን ኬይኑ ዝስመዖም ልኡኻት ድማ መልእኽቲ ለኣኽቶም ከይመርመሩ፡ ኣጋጣሚታት ኣብ ዝረኸቡሉ ዘበለ “ደጊም ሃገር ተበጊሳ ኢያ። ከምቲ ፕረዚደንት ዝበሎ ሕጂ ማርሻ ቐይርካ ሙጉያይ ጥራሕ ኢዩ። ኣብ ሓጺር ግዜ ከኣ ኤርትራ ብዘደንቕ ቅልጣፈ ተሓምቢባ ምስተን ዝማዕበላ ሃገራት ኪትወዳደር ኢያ። ስለዚ መታን ጽባሕ ካብ መሶብ ወፍሪ ኪትድረሩ ሃየ ሎሚ ዝርካቡ ገንዘብኩም ኣብ መደባት ልምዓት ኣውፍሩ፤ ኣብ ዕደና ትመርጹ ኣብ ወርቂ ቢሻ፡ ኣብ ሕርሻ እትደልዩ ኣብ ጎላጉል ባርካ፡ ኣብ ሃብቲ ባሕሪ እትሓርዩ ኣብ ምግፋፍ ዓሳ፡ ኣብ ዝደለኹሞን ዝምእምኣኩምን ጽላትን ዓውድን ሕጂ ኢንቨስት ግበሩ፤” እናበሉ፡ ብሰበሰብ፡ ብዓርከ መሓዛ፡ ብዘመድ መቕርብ፡ ጎስጓስ ጀሚሮም ኣለው። “ኣብ ቅድሚ ዓይንና ብዙሕ ኪንመሃረሉን ኪንሙኮረሉን እንኽእል መወዳእታ ዘይብሉ መመሃሪ ፍጻሜታት እናሃለወ፡ ሎሚ እንታይ ሓዲሽ ነገር ስለዝተረኽበ ኢዩ ከነውፍር ዝድለ ዘሎ፤ ገንዘብናን መሰልናን እነውሕሰሉ እንታይ ዝተቐየረ ሕግን ምሕደራን ኣሎ፧” ንብዝል ቀሊል ሕቶ ንኣብነት፡ “መንግስቲ ድሮ ቅዋም ይሸይጥ ስለዘሎ፡ ጽባሕ ንግሆ ዊዒሉ ሓዲሩ ብቕዋምን ቅዋም ብዝእዝዞ ሕጋጋትን ዝመሓደር መንግስቲ ምምስራቱ ዘይተርፍ ኢዩ። መንግስትና ንኸምኡ ኢዩ ዝሰርሕ ዘሎ።” ኢዩ ዝብል መልስታቶም። ኤርትራ ኪትዓብን ኪትብልጽግን፡ ኪርህዋን ኪሓልፈላን፡ ኪትቀስንን ኪትረግእን ትምኒት ቀደምናን ባህጊ ኩላትናን ስለዝኾነን፡ ነቶም ልኡኻት “ደሓን ኣፍኩም ይስዓር፡ ከምቲ ትብሉዎ ይግበረልና፤ ሓሳብ ልብኹም የስምሮ!!” ንብሎም። ግን ከኣ ብዛዕባ እቲ ተዓጢቖም ዝሰብኩሉ ዘለዉ ጉዳይ ወፍሪ፡ ንትግባረኡን ፖሊሲታቱን፡ ንሕጋጋቱን መስርሓቱን ብዝምልከት እኹል መረዳእታን ኣፍልጦን ኪህልዎም ስለዝግባእ፤ እቲ ማንም ተራ ሰብ ኪፈልጦ ዝግበኦ፡ ምንም ፎርሙላ ዘይሓትት ናይ ምዕባለን ዕቤትን መባእታውን መሰረታውን ሀ ሁ ወፍሪን ቅዋምን ኪንዘራረበሎም ኣገዳሲ ኢዩ። እቲ ምስማዕን ምምዝዛንን ንዐኣቶም ዝግደፍ እኳ እንተኾነ፡ ዕቤትን ምዕባለን፡ ሃብትን ብልጽግናን ኪረጋገጽ እንተኾይኑ ኣቐዲሙ ኪዋደድ ዘለዎ ነገር ኪፍለጥ ይግባእ። እትረፍዶ ቅዋም ኣብ ዕዳጋ ስለዝተሸጠ ጥራሕ፡ ብዙሕ ኣብ ግብሪ ዝወዓለ ግን ከኣ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ዘየፍቅድ፡ ስማዊ ቅዋም እውን ንበይኑ ዕቤትን ምዕባለን ራህዋን ቅሳነትን ከረጋግጽ ኣይክእልን ኢዩ። ኣብ ኤርትራ ቅዋም እንተተግቢሩ ኩሉ ጸገማትናን ሽግራትናን ብሓደ ግዜ ዝውዳእ ዝመስለና ሰባት ኪንህሉ ንኽእል ኢና። ግን እቲ ሓቂ ከምኡ ኣይኮነን። ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ድሕነትን ርግኣትን ሃገሩ ኪርኢ ሃረር ስለዝብል ንኹሉ እቲ ፍታሕ መሲሉ ዝረኣዮ ነገራት እናቐደመ ኣብ ሃገርና ቅዋም ኪትግበር እሞ እቲ ኩሉ ቅዋም ዝእዝዞን ዝጠልቦን ነገራት እናማላእና ኣጋጢሙና ካብ ዘሎ ዓዘቕቲ ኪንገላገል ንኽእል ኢና ኢሉ ስለዝሓስብዩ ኣብዚ ዝሓለፈ ቅንያት ብመናፍሕ 03 ቅዋም ኪትግበር ይከኣል ኢዩ ዝዓይነቱ ምልክታትን መልእኽትን ኪቃላሕ ጀሚሩ ዘሎ። ንሙዃኑ ቅዋም እንታይ ኢዩ። ትርጉሙን እንታይ ኢዩ፧ ሓይሉኸ ከመይ ኢዩ፤ ጸገማትን ሽግራትን ሃገርን ህዝብን ናይ ምፍታሕ ዓቕሙ ማዕረ ክንደይ ኢዩ። ቅዋም ስለዝተኣወጀን ዝተተግበረን ጥራሕ ድሕነትን ሕውየትን ኪርከብ ይከኣልዶ፧ ኩለን እተን ብቕዋም ዝመሓደራ ሃገራት ሰላምን ቅሳነትን ኣለዎ ዲዩ፧ ወይ ኩለን እተን ብቕዋማዊ መንግስቲ ዝመሓደራ ሃገራት ካብ ውሽጣውን ግዳማውን ጸገማትን ሕጽረታትን ሓራ ዲየን፧ ዝብል ሕቶታት እውን ከነልዕል ንኽእል ኢና። ሎሚ ኩለንትናዊ ፍታሕን ድሕነትን ሃገርና ዘምጽእ ጽፉፍን ውርጹጽን ፍታሕ እምበር ዘይሰርሕን ዘየድምዕን ስማዊን ግዝያዊን ጽገናታት ኣይኮነን ዘድልየና። ንሽግራትን ጸገማትን ሃገርና ብዝግባእ እንተጽኒዕናዮ ጥራሕ ኢና ከኣ እቲ ዝግበእን ዝድለን ፍታሕ ከነናዲ ንኽእል። ስለዝኾነ ድኽመታትናን ሕጽረታትናን ብዝግባእ ምጽናዕን ምልላይን ማለት እቲ ንጸገማትና ዝበቅዕን ዝፍውስን መድሃኒት ከም ምድላይ ኢዩ ዝቑጸር። ከምቲ ኩላትና እንፈልጦ፡ ኣብ ዓለምና፡ ዋላኳ ፍጹምን ውርጹጽን ዲሞክራሲ እንተዘየሎ እቲ ዝሓሸን ቅቡልን ስርዓተ ምሕደራ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ኢዩ። አህዛብን ሃገራትን ዓለምና ከኣ ካብ ቅድሚ ኣማኢት ዓመታት ጀሚሮም ካብ ዘጋጥሞም ዝነበረ ምልክን ጨኲናን ኪናገፉ ብዙሕ ዋጋ እናከፈሉ ኢዮም ነዚ ሕጂ ውዱን መልክዕ ሒዙ ዘሎ ዲሞክራሲያ ስርዓተ ምሕደራ ኪተኽሉ በቒዖም ዘለዉ። ሃገራትን አህዛብን ዓለምና ከኣ ከከም ተሞኩሮኦምን ዕድመኦምን ነዚ ስርዓተ ምሕደራ እዚ እናረዓሙ፡ ንዓለምና ካብ ተመኩሮታቶም እናመሃሩን እናኣለበሙን፡ ዝፈተኖን ዝሰርሓሉን ዘመስግኖ፡ እቲ ዘይረኸቦን ዘይፈተኖን ከኣ ዝሃርፎን ዝናፍቖን ስርዓተ ምሕደራ ከምዝኸውን ዝገበሩዎ። ይኹን እምበር ነፍሲ ወከፍ ሃገርን ህዝብን ከኣ ከከም ታሪኹን ድሕረ-ባይታኡን ከከም ተመኩሮኡን ትጽቢታቱን ነቲ ሞዴል ከስርሖ ብዝኽእል መገዲ ኪጥቀመሉ ይኽእል ኢዩ። ኣብ ገሊአን ሃገራት ዓለም እውን ንርእዮ ኣለና። ከምቲ ሊቃውንቲ ዓለምና ዝገልጹዎ ቅዋም ማለት ኣብ መንጎ ህዝብን መንግስትን ዝእቶ ናይ ምሕደራ ቃል-ኪዳን ወይ ከኣ ውዑል ኢዩ። ኪኖ እዚ ዝከይድ ካልእ ትርጉም የቡሉን። መንግስቲ፡ ንህዝቢ በቲ ቕዋም ዝእዝዞ የመሓድሮ፤ ህዝቢ ከኣ ንመንግስቲ በቲ ቕዋም ዝህቦ ስልጣን ይእዘዞ። መንግስቲ፡ ካብቲ ስልጣን ዝህቦ መሰላት ወጺኡ ኪሃልል እንከሎ ከኣ ህዝቢ ይቆጻጸሮ። ይገርሖን ይቕይዶን። ስለዚ እታ ከም ሉጓም እትምሰል ቅዋም እምበኣር ንህዝብን መንግስትን እተራኽብ ቀለቤት ኢያ። ይኹን እምበር ስርዓት ኢሳይያስ፡ ነታ ገለ ክፋል ሕብረተ-ሰብና ሃጓፋት ኣለዋ፤ ብሕጋዊ መዳያት ስለዘይተሳተፍናያን ድምጽናን ርእይቶናን ስለዘይሃብናላን ኣይትውክለናን ኢያ ዝብሉዋ፤ ግን ከኣ ምስ ግዜ ብሕድገትን ምጽውዋርን ዝጎደላ እናመላእና ከም መበገሲ ኪንጥቀመላን ሃገርናን ስርዓትናን ኪንሃንጸላ እንኽእል ዝነበርና ኣብ 1997 ዝጸደቐት ቅዋም ንልዕሊ 15 ዓመታት ዓቢጡ፡ ከም ድላዩ እናሃለለን ንሃገር ምስ ሓመሳን ምስ ረመሳን ሎሚ ቅዋም ከተግብር ኢየ እውን እንተበለ ኩሉ ነገር ድሕሪ ማይ ናብ በዓቲ ኢዩ’ሞ ግን ምእንቲ ሰናይን ራህዋን ህዝብና ኪምብል በለሞ ኢልና ኪንቅበሎ እንተኾይና መጀመርታ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ቅድመ ኩነትን ውዓል ሕደርን ኪፍጽሞ ዘለዎ ነገራት ከምዘሎ ኪሓስበሉ ይግባእ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0