Welcome to Radio Erena!
ሞት ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ይቕጽል፣ ኢጣልያ ድማ ስደተኛታት ናይ ምድሓን ስርሒት ዝመጽእ ወርሒ ደው ከምእተብሎ ትገልጽ
Radio Erena: 08 October, 2014
ኢጣልያ፣ ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ናይ ምድሓን ስርሒት ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ደው ከተብሎ ምዃና ኣፍሊጣ።
ኢጣልያ ነቲ ማረ ኖስትሩም ማለት ባሕርና ዝተሰምየ ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ናይ ምድሓን ስርሒት ካብ ወርሒ ሕዳር 2014 ደው ከተብሎ ምዃና ትገልጽ ዘላ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ 11 ሚልዮን ዶላር ባጀት የህልኽ ብምህላዉ'ያ።
ዛምብያ 141 ኢትዮጵያ ስደተኛታት ቀይዳ
Radio Erena: 08 October, 2014
ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝሳግሙ ዝነበሩ 141 ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ኣብ ዛምብያ ተታሒዞም።
ማዕከን ዜና ደይሊ መይል ብዘቕረቦ ጸብጻብ መሰረት፣ እቶም ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙን በብእዋኑ ዝተቐየዱ ኢትዮጵያውያን፣ ኣብቲ ምስ ዚምባብዌ ዘዳውብ ዶብ ናኮንደ'ዮም ተታሒዞም።
እዞም ዶባት ኬንያን ታንዛንያን ኣቛሪጾም ዛምብያ ምስኣተዉ ዝተታሕዙ ኢትዮጵያውያን፣ ዶባት ዛምብያን ዚምባብዌን ሰንጢቖም ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንምእታው ዝወጠኑ ምዃኖም'ዩ ዝግለጽ።
ሓድሽ ዝተመዘዘ ቀዳማይ ሚኒስተር የመን፣ ንከተማ ሰንዓ ተቖጻጺርሮም ብዘለዎ ተቓወምቲ ተነጺጉ
Radio Erena: 08 October, 2014
ንከተማ ሰንዓ ተቖጻጺሮም ዝርከቡ ተቓወምቲ ሺዓ፣ ብፕረዚደንት የመን ንዝተመዘዘ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ነጺጎም።
ድሕሪ'ቲ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ መንጎ ንከተማ ሰንዓ ዝተቖጻጸሩ ተቃወምቲ ሺዓን ፕረዚደንት የመን ዓብደረቦ መንሱር ሓድን ብመንጎኝነት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተከተመ ስምምዕ፣ እቲ ፕረዚደንት ኣቐዲሙ ንዝነበረ ቀዳማይ ሚኒስተር ብምስጓግ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ክመዝዝ ዝብል ነጥቢ ዘጠቓለለ'ዩ።
ኣሚር ቐጠር ሸኽ ታሚም ቢን ሓማድ ኣልታኒ ሓድሽ ኣምባሳደር ኣብ ኤርትራ መዚዙ
Radio Erena: 07 October, 2014
እቲ ኣሚር ዝሓለፈ ሰሙን ብዘሕለፎ ውሳኔታት መሰረት፣ ኣቐዲሙ ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ኣምባሳደር መሓመድ ዒሳ ሻሂን ኣል ማናይ ካብ ኣስመራ ተሳሒቡ ብ ሓድሽ ኣምባሳደር መሓመድ ራሽድ መሓመድ ኣል ሑማይዲ ተተኪኡ ኣሎ።
ቐጠር ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ እታ ዝልዓለ ጽልዋ ካብ ዘለወን ሃገራት ወሽመጥ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ እትስራዕ ኮይና፣ በዚ ጽልዋ'ዚ ተሓሂዛ ከኣ ኣብ ሽምግና ምስሕሓብ ኤርትራን ጅቡትን ከምኡ ድማ ጉዳያት ሱዳን ዝልዓለ ተራ ክትጻወት ጸኒሓ'ያ።
ብቕዓት ምሕደራ መንግስቲ ኤርትራ፣ ካብ 52 ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ መበል 50 ተሰሪዑ
Radio Erena: 07 October, 2014
ብኣህጉራዊ ትካል ኢብራሂም ሞ ዓመታዊ ኣብ ዝዝርጋሕ ጸብጻብ ብቕዓት ምሕደራ መንግስታት ኣፍሪቃ፣ ኣብዚ ኣብዚ ናይ 2014 52 ሃገራት ኣብቲ ዝርዝር ክቐርባ እንከለዋ፣ ዝተሓተ ደረጃ ሒዘን ዘለዋ ቀዳመይቲ ሶማልያ፣ ካልኣይቲ ማእከላይ ሪፖብሊክ ኣፍሪቃ ሳልሰይቲ ድማ ኤርትራ'የን።
ኣብ ኣተን ዝሓሸ ምሕደራ መንግስቲ ዘለወን ሰለስተ ሃገራት ሞሪሽየስ፣ ቦትስዋናን ኬፕ ቬርደን ኮይነን፣ አዘን ሃገራት ነዚ ኽብሪ'ዚ ንተኸታታሊ ሓሙሽተ ዓመታት ሒዘንኦ ይርከባ።