Welcome to Radio Erena!
መራሕቲ ሱዳንን ሊብያን ኣብ ወትሃደራዊ መዳይ ክተሓጋገዙ ተሰማሚዖም
Radio Erena: 30 October, 2014
ሱዳንን ሊብያን፣ ኣብ ወትሃደራዊ መዳይ ክተሓጋገዘ ተሰማሚዐን።
እዘን ክልተ ጎረባብቲ ሃገራት ነዚ ስምምዕ ዝበጽሓ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ሊብያ ዓብዱላ ኣል ቲኒ ኣብ ሱዳን ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ብምፍጻም ምስ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ድሕሪ ዘካየዶ ዝርርብ'ዩ።
መንግስቲ ሊብያ ኣቐዲሙ፣ ሱዳን ንተቓወምቲ ሊብያ ወትሃደራዊ ኣጽዋር ትልግስን ኣብ ሚስራታ ከኣ ንዕጡቓት ስልጠና ትህብን ኣላ እናበል ክወቕስ ጸኒሑ'ዩ።
ናብ ሳዋ ክምለሱ ዝተነግሮም ኣባላት 27 ዙርያ፣ መብዛሕቶም ክሳብ ሕጂ ኣይተመልሱን
Radio Erena: 29 October, 2014
ውጽኢት ናይቲ ዝገበርዎ ፈተና ክፈልጡ ናብ ሳዋ ክምለሱ ዝተነግሮም ኣባላት 27 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ እቶም ዝበዝሑ ክሳብ እዚ እዋን'ዚ ከምዘይተመልሱ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።
እቶም ኣብ ግዜ'ዩ ናብ ሳዋ ዝተምሱ ተማሃሮ እቶም መሕለፊ ነጥቢ ኣምጺኦም ናብ ኮሌጃት ንምእታዎ ተስፋ ዘለዎም ጥራይ ምዃኖም ዘመልከቱ እቶም ምንጭታት፣ እቶም ዝበዝሑ ግና ንዕረፍቲ ካብ ሳዋ ምስተመልሱ ክሳብ እዚ እዋን'ዚ ፋሕ ኢሎም ምህላዎም ኣገንዚቦም።
ሓካይም ዚምባብዌ፣ ወሰኽ ደሞዝ ብምጥላብ ስራሕ ደው ናይ ምባል ኣድማ ኣካይዶም
Radio Erena: 29 October, 2014
ሓካይም ዚምባብዌ ስራሕ ደው ናይ ምባል ኣድማ ኣካይዶም።
እቶም ትማሊ ስራሕ ደው ብምባል ኣድማ ዘካየዱ ልዕሊ 300 ሓካይም ናይቲ ብመንግስቲ ዝውነን ህዝባዊ ሆስፒታል ከተማ ሃራረ፣ ናይ ወሰኽ ደሞዝ'ዮም ዝጠልቡ ዘለዉ።
ንሳቶም 283 ዶላር ኣመሪካ ወርሓዊ ደሞዝ ዝኽፈሉ ኮይኖም ደሞዞም ናብ 1200 ዶላር ክብ ክብል'ዮም ዝሓቱ ዘለዉ።
ብሰንኪ'ቲ ዘካየድዎ ስራሕ ደው ናይ ምብላ ኣድማ ከኣ፣ እቲ ሆስፒታል ሪጋ ሒዞም ብዝወዓሉ ሕሙማን ኣዕለቕሊቑ ከምዝወዓለ ማዕካናት ዜና ካብታ ሃገር ሓቢረን።
ኣብ ደቡብ ሱዳን ከባቢ ጁባ ኣብ ዝተወልዐ ግጭት 60 ሰባት ቆሲሎም
Radio Erena: 29 October, 2014
ኣብ ደቡብ ሱዳን ካብ ከተማ ጁባ ወጻኢ ኣብ ዝርከብ ከባቢታት ብዝተኻየደ ግጭት ብውሕዱ 60 ሰባት ከምዝቖሰሉ ኣፈኛ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ካብ ጁባ ሓቢሩ።
ኣብቲ ብሰንበት 26 ጥቕምቲ ዝተኻየደ ግጭት፣ ኣርባዕተ ሰባት ብከቢድ ቆሲሎም ኣብ ሆስፒታል ክዕቆቡ እንከለዉ፣ ክልተ ኣባላት ፖሊስ ውድብ ሕቡራት ሃገራት'ውን ፈኵስ መቑሰልቲ ከምዝበጽሖም ተሓቢሩ።
ነቲ ግጭት ብምጉህሃር ዝተጠርጠሩ ክልተ ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ከምዘለዉ'ውን እቲ ኣፈኛ ጠቒሱ።
ማሕበረሰብ ዓለም፣ ኤርትራ ንእትርከበ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ 8 ቢልዮን ዶላር ልምዓታዊ ሓገዝ ተመባጺዑ
Radio Erena: 28 October, 2014
ኣህጉራዊ ማሕበረ ሰብ፣ ኤርትራ ንእትርከበን ሸሞንተ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ፣ ሸሞንተ ቢልዮን ልምዓታዊ ሓገዝ ንምብራክት ተመባጺዑ።
እተን ኣብ ልምዓታዊ ሓገዝ ዝውዕል ሸሞንተ ቢልዮን ዶላር ንምልጋስ ዝተመባጽዓ ኣካላት ኣህጉራዊ ማሕበር ሰብ ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ፣ ባንክ ዓለም፣ ሕብረት ኤውሮጳ፣ እስላማዊ ባንክ ልምዓትን'የን።
እቲ ናብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝዓለም ሓገዝ ኣብ ምዕባይ ቁጠባ፣ ምቕናስ ድኽነት፣ ምውጋድ ግጭታትን ደርቅን ክውዕል ምዃኑ'ውን ነዚ መብጽዓ'ዚ ብወግዒ ዝገለጸ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ባንኪ ሙን ጠቒሱ።