Welcome to Radio Erena!
ፕረዚደንት ዚምባብዌ ሮበርት ሙጋበ፣ ብሓደ ካብ ናይ ቀረባ ሰበ ስልጣናቱ ናይ ቅትለት ውድኢት ተኣሊምሉ ክትብል ናይ መንግስቲ ጋዜጣ ኸሲሳ
Radio Erena: 17 November 2014
ፕረዚደንት ዚምባብዌ ሮበርት ሙጋበ ብሓደ ካብ ናይ ቀረባ ሰበ ስልጣናቱ ናይ ቅትለት ውጥን ተኻይድሉ ክትብል ሳንደይ መይል ዝተባህለት ብመንግስቲ እትውነን ጋዜጣ እታ ሃገር ሓቢራ።
እታ ጋዜጣ፣ ሓደ እዋን፣ ንፕረዚደንት ሙጋበ ክትክእ ይክእል'ዩ ዝብሃለሉ ዝነበረ ኣፈኛ ሙጋበ ነበረ ሩጋረ ጉምቦ፣ ነቲ ፕረዚደንት ንምቕታል ውጥን ከምዝኣለመ ናይ ድምጽን ካልእን መርትዖታት ከምዘሎ እኳ እንተሓበረተ፣ ብናጻ ኣካል ግና ክረጋገጽ ኣይከኣለን።
ሩጋረ ጉምቦ ብወገኑ፣ ኣብ ናይ ሰልፊ ዛኑ ፒኤፍ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ምስ ፕረዚደንት ሙጋበ ዘየሰማምዕ ነጥቢ ከምዝተረኸበን፣ ድሕሪ'ዛ ዕለት እዚ ኸኣ፣ እቲ ፕረዚደንት ምክትሉ ዝኾነት ጆይስ ሙጁሩ እትርከቦም ሓያሎ ሰበ ስልጣን ብዕልዋ መንግስቲ ክኸሶም ምዃኑ ከፈራርሕ ከምዝጸንሐን ኣረዲኡ።
ጉዕዞ ብባቡር፣- ካብ ናቕፋ ክሳብ ፓሪስ
Radio Erena: 14 November 2014
ባቡር ቁጽሪ 7223፣ ኣብቲ ካብ ሰሜናዊ ክፋል ፓሪስ ዝርከብ ፎሮቭያ፣ ናብታ ብኤርትራውያን ግኑን ስም ሒዛ ናብ እትርከብ ወደብት ከተማ ካሌ ተበጊሱ ኣሎ። ልክዕ ሰዓት 9:46 ረፋድ'ዩ።
ንዝረኣኽዎን ዝገጥመኒ ነገራትን ምስታ ዝዓበኹላ ሃገር ብምዝማድ ክገልጾ ምፍታነይ ምናልባት ምልክት እርጋን ከይከውን እፈርሕ። ኣድኒቐ ወይ ተዘናጊዐ ጥራይ ዝሓልፎ ነገር የለን። ዳርጋ ንኹሉ ምስ ናይ ዓድና'የ ከነጻጽሮ ዝፍትን። ከምዚ ናተይ ባህሪ ዘለኩም ምናልባት ምልክት እርጋን ከይከውን ነፍስኹም ፈትሹ። ንፈረንሳዊት መሓዛይ ዘሎኒ ባህሪ ምስካፍልኩዋ፣ ናፍቖት ሃገር ወይ ኖስቶልጅያ'ዩ ክትብል'ያ ሳይንሳዊ ምላሽ ሂባትኒ። እንተስ ናፊቐ እንተስ ተደናፊቐ ምውድዳሩ ከዕርፍ ግና ኣጸጊሙኒ ኣሎ። ንፍሽኽታ እንተኾነኩም'ውን ኣብ ኣስመራ ዝገደፍክዎ ዓይነት ባኒ ምስ ናይ ኣኽሱም ከወዳድሮ ዝፈተንክሉ ግዜ ኔሩ።
ምንውሑን ምብላሕ ኣፍንጭኡን ዘሰንብድ ባቡር ገና ከይተበገሰ፣ ኣተኩረ ክርእዮ'የ መሪጸ።
ኣሚር ቀጠር ብጉዳይ ኤርትራን ጅቡቲን ናብ ፕረዚደንት ጅቡቲ ደብዳቤ ልኢኹ
Radio Erena: 14 November 2014
ኣሚር ቀጠር ሸኽ ታሚም ቢን ሓማድ ኣልታኒ፣ ኣብ ጉዳይ ኤርትራን ጅቡቲን ዘተኮረ ደብዳቤ ናብ ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ጉለ ከምዝልኣኸ ተገሊጹ።
ነቲ ካብ ኣሚር ቀጠር ዝተላእከ ደብዳቤ ብ 10 ሕዳር ናብ ፕረዚደንት እስማዒል ጉለ ዘብጽሐ ኣምባሳደር ቀጠር ኣብ ጅቡቲ፣ ጃሲም ቢን ጃብር ሱሩር ምዃኑ ዝሓበረት ብቋንቋ ፈረንሳ እትሕተም ጋዜጣ ላ ናስዮን፣ እቲ ኣሚር ኣብ መልእኽቱ ብውጽኢት መስርሕ ዕርቒ ኤርትራን ጅቡትን ሕጉስ ምዃኑ ጠቒሳ።
ብመንገዲ ሲናይ ናብ እስራኤል ናይ ዝኣትዉ ብዝሒ ኤርትራውያን ናብ ዜሮ ወሪዱ
Radio Erena: 14 November 2014
ብመንገዲ ሲናይ ናብ እስራኤል ናይ ዝኣትዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብዝሒ ናብ ዜሮ ወሪዱ ምህላዉ ንጸብጻብ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ብምጥቃስ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።
ኣብዚ ዝሓለፈ ሰለስተ ኣዋርሕ፣ ብመንገዲ ሲናይ ናብ እስራኤል ዝኣተዉ ኤርትራውያን ከምዘይነበሩ ዘመልከተ እቲ ጸብጻብ፣ እዚ ኸኣ እስራኤል ኣብ ኣተሓሕዛ ብዘይሕጊ ዝኣትዉ ወጻእተኛታት ዘለዋ ዕዉት ፖሊሲ ዘርኢ'ዩ ክብል ገሊጹ።
ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ኬንያ ናይ ዝኣትዉ ኢትዮጵያን ብዝሒ ይውስኽ ምህላዉ ተሓቢሩ
Radio Erena: 13 November 2014
ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዶብ እናሰገሩ ናብ ኬንያ ናይ ዝኣትዉ ዘለዉ ኢትዮጵያን ቁጽሪ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ይውሽክ ምህላዉ ዘ ስታንዳርድ ዝተባህለ ማዕከን ዜና ሓቢሩ።
ብመሰረት ጸብጻብ እቲ ማዕከን ዜና፣ ብገምጋም መዓልታዊ 30 ኢትዮጵያውን ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ኬንያ ከምዝኣተዉ ብምጥቃስ፣ ሓያሎ ካብኣቶም ብፖሊስ ተታሒዞም ናብ ዓዶም ክምለሱ እንከለዉ፣ እቶም ዝበዝሑ ግና ሃገራት ምብራቕን ማእከላን ኣፍሪቃ ብምቁራጽ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንምእታው ከምዝሳግሙ ኣመልኪቱ።