Welcome to Radio Erena!
ሰራዊት የመን 53 ኢትዮጵያን ስደተኛታት ቀይዱ
Radio Erena : 13 March 2015
ሰራዊት የመን ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብታ ሃገር ዝኣትዉ 53 ኢትዮጵያን ስደተኛታት ኣብ ከምዝቐየደ ጋዜጣ የመን ይታይምስ ሓቢራ።
እቶም ቀይሕ ባሕሪ ብምቁራጽ ሞሻ ናብ ዝተባህለት ንእሽቶ ወደብ እታ ሃገር ዝኣተዉ ኢትዮጵያ፣ ኣብቲ ቦታ ዓስኪሩ ብዝርከብ መበል 35 ብርጌድ ከቢድ ብረት ከምዝተታሕዙ'ዩ ዘመልክት እቲ ናይታ ጋዜጣ ጸብጻብ።
እቶም ብክልተ ጉጅለታት ተኸፋፊሎም ናብ የመን ዝኣተዉ ኢትዮጵያን ብኣባላት ሰራዊት የመን ድሕሪ ምትሓዞም ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ጣይዝ ይርከቡ።
ቢቢሲ ካብ ኤርትራ ኣብ ዘመሓላለፎ ጸብጻብ፣ ርእይቶኦም ክገልጹ ካብ ዝተወከሶም 37 ኤርትራውያን ብሰንኪ ፍርሒ ሓሳቦም ብናጻ ክገልጹ ከምዘይከኣሉ ኣረጋጊጹ
Radio Erena : 13 March 2015
ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ብምእታው ንመጀመርያ ምሉእ ጸብጻብ ከተዳሉ ዝተፈቕደላ ጋዜጠኛ ማዕከን ዜና ቢቢሲ፣ ብኣፈኛ ፕረዚደንት ኣቶ የመነ ገበረኣብ ንዝተዋህባ፣ ኣብ ኤርትራ መሰል ሓሳብካ ምግላጽ ከምዘሎ ህዝቢ ብምሕታት ከተረጋግጺ ትኽእሊ ኢኺ ንዝብል ሓበሬታ ንምርግጋጽ፣ ኣብ ውሽጢ ኣስመራ ካብ ዝሓተተቶም 37 ኤርትራውያን ወልሓደ'ውን ንሕቶታታ ክምልስ ፍቓደኛ ከምዘይነበረ ኣረጋጊጻ።
እታ ያልዳ ሓኪም ዝተባህለ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ካብ ዝተወከሰቶም ኤርትራውያን፣ መብዛሕቶም ኣብ ቅድሚ ማይክሮፎን ርእይቶኦም ብናጻ ክገልጹ ከምዘይደሉ ከምዝጠቐሱላን ገሊኦም ድማ ብዘይማይክሮፎን ድምጾም ከይተቀድሐን ካብ ሰበ ኣብ ዝተኸወለ ቦታ ሕቶታታ ክምልሱ ፍቓደኛታት ምንባሮምን'ያ መስኪራ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ደምህት ክተሓባበሩ ጸኒሖም ንዝበሎም ክልተ ነበርቲ መቐለ ቀይዱ
Radio Erena: 12 March 2015
መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ኤርትራ ምስ ዝመደበሩ ዕጡቕ ተቓዋሚ ደሞክራስያዊ ምንቕስቓስ ህዝቢ ትግራይ (ደምህት) ርክብ ኔርኩም ንዝበሎም ክልተ ተቐማጦ ከተማ መቐለ ቀይዱ።
ዘ ሪፖርተር ኣብ ናይ ትማሊ ሕታማ ኣብ ዘቕረበቶ ጸብጻብ፣ ምስ ደምህት ርክብ ኔርኩም ተባሂሎም ኣብ ቀይዲ ዝርከቡ ኣቶ ኣማረ ተወልደን ኣቶ ታሪክዩ በላይን ዝተባህሉ ነበርቲ ከተማ መቐለ፣ ብመንገዲ ቴሊኤፎን ሓበሬታ ከመሓላልፉን ካልእ ስለያዊ ንጥፈታት ከካይዱን ጸኒሖም ዝብል ክሲ'ዩ ተመስሪትሎም።
ብፍላይ ኣቶ ኣማረ ተወልደ ኣቶ ጎይቶኦም በርሀ ምስ ዝተባህለ ኣብ መቐለ ብቀረባ ምስ ዝፈልጦ ዝነበረን ኣብዚ እዋን'ዚ ሓደ ካብ መራሕቲ እቲ ኣብ ኤርትራ ዝመደበሩ ደምህትን ምስ ዝኾነ ሰብ ብቀጥታ ብቴሌፎን እናተደዋወሉ ሓበሬታ የመሓላልፍ ኔሩ ብምባል'ዩ ኣኽባር ሕጊ ኢትዮጵያ ብ'ስለያ' ከሲስዎ ዘሎ።
ኣመሪካ ምስ ሓሙሽተ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ንግድ ከተስፍሕ'ያ
Radio Erena: 12 March 2015
ኣመሪካ ምስ ሓሙሽተ ሃገራት ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ ግዙፍ ንግዳዊ ልውውጥ ንምክያድ ውጥን ከምዘለዋ መርበብ ሓበሬታ ኣፍሪካ ቶክስ ኣፍሊጡ።
እዚ መርበብ ነዚ ዘፍለጠ፣ ኣብ መንጎ'ተን ሓሙሽተ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃን ኣመሪካ ኣብ ዋሽንግተን ድሕሪ ዝተኻየደ ስምምዕ'ዩ።
ብመሰረት እዚ ሓድሽ ስምምዕ፣ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ካብ ኣመሪካ ኣቑሑ ከእትዋ ጥራይ ዘይኮነ፣ ናብ ኣመሪካ ዝተፈላለየ ነገራት ንምልኣኽ'ውን ባይታ ዘጣጥሕ'ዩ።
ሃገራት ወሽመጥ ብጉዳይ የመን ኣብ ሪያድ ክዝትያ'የን
Radio Erena: 12 March 2015
ወሽመጥ ሃገራት ዓረብ ዘተ ሰላም የመን ኣብ ስዑዲ ዓረብ ንምእንጋድ ከምዝተሰማምዐ ተሓቢሩ።
ኣብ እምነት ሱና እትኣምን ስዒዲ ዓረብ፣ ኣብ መንጎ ኣመንቲ ሺዓ ዝኾኑ ተቓወምቲ ሑቲን መንግስቲ እታ ሃገር ንምቕርራብ ተበግሶ ከምዝወሰደት ዝግለጽ ዘሎ፣ የመን ኣብ መንጎ ሰንዓን ዓደንን ኣብ ክል ከይትግማዕ ተሰጊእሉ ኣብ ዘሎ እዋን'ዩ።
ስዑዲ ዓረብ ኣብ ሓደነት የመን ከምእትኣምን እኳ እንተረጋገጸት፣ ዝዓበየ ደገፋ ነቲ ብኣመንቲ ሱና ዝቖመ መንግስቲ የመን ምዃኑ'ዩ ዝግለጽ።