c


Erena on Facebook

SFbBox by web design dubai

ጸገም ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ገና ይቕጽል

ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናተዳኸመ ዝመጽእ ዘሎ ኣገልግሎት ኤሌክትሪሲቲ፣ ንሆስፒታላት ብኸቢድ ይጸልወን ምህላዉ ምንጭታትና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።



    ብፍላይ ክፍልታት መወልዳን፣  መጥባሕቲ ማለት Oን ባንክ ደምን ብተደጋጋሚ ምቁራጽ ኤሌክትሪክ ግቡእ ንጥፈታቶም ንምስንኻል ይተዓናቐፉ ምህላዎም ናብ ሚኒስተር ጥዕና ኣምና ንርሑሴን ከይተረፉ ጥርዓን ከምዘቕረቡ ተፈሊጡ።

    እንተኾነ እታ ሚኒስተር እዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ተደጋጋሚ ምቑራጽ ኤሌክትሪሲቲ ግዝያዊ ምዃኑ ብምጥቃስ፣ ክፍልታት መጥባሕትን መወልዳንን ብምትዕጽጻፍ ክሰርሑ ጥራይ'ያ መሊሳ።

    ንጠንቒ'ዚ ንንጥፈታት መላእ ሃገር እናልመሰ ዝመጽእ ዘሎ ጉዳይ ኤሌክትሪሲቲ ኣመልኪቱ መንግስቲ ኤርትራ ዝኾነ መብርሂ እኳ እንተዘይሃበሉ፣ እቲ ኣውራ ጠንቒ ግና ዋሕዲ ነዳዲ ምዃኑ'ዩ ዝንገረሉ።

    ኣብ ኤርትራ ንዓመታት ዝቐጸለ ርኡይ ዋሕዲ ጸዓት ከምዘሎን ብሰንኩ ህዝቢ ነተን ካብ ዱኳን ሕድሪ ዝረኽበን ወርሓዊ መቝነን ንምብሳለን ይኹን ንምጥሓነን ይሽገር ምህላዉ ብተደጋጋሚ እዋን ተገሊጹ'ዩ።

    ወፍሪ የተባብዕ ኣለኹ ዝብል ዘሎ መንግስቲ ኤርትራ ብዘይ ኣገልግሎት እቲ መሰረታዊ ባእታ ንወፍሪ ዝኾነ ኤሌክትሪሲቲ ዝኾነ ለውጢ ክህሉ ከምዘይክእል'ዩ ዝግምገም።

Share this post

Submit to FacebookSubmit to Google PlusSubmit to TwitterSubmit to LinkedIn



Powered by Joomla!®. Designed by: free hosting no ads resell dot me domains Valid XHTML and CSS.