c


Erena on Facebook

SFbBox by web design dubai

ሸሞንተ መጋቢት ዓለም ለኻዊ ደቀንስትዮ

         ኣብቲ ንመሰል ርእሰ ውሳኔን ናጽነትን እንቃለሰሉ ዝነበርና እዋን ሸሞንተ መጋቢት፡ ዕለተ ዝኽሪ እተን ድርብ ወጽዓን ጭኮናን ዝነበረንን ዘለወንን ደቀንስትዮ ዓለምናን ሃገርናን ስለዝኾነት ካብተን ብዓቢ ክብሪ እነብዕለን ዝነበርና ዓለማውያን በዓላት ሓንቲ ኢያ ነይራ። ይዝከረኒ ሽዑ ንታሪኽን ኣመዓባብላን ሸሞንተ መጋቢት ብዝምልከት “ምስ ዝርገሐን ዕቤትን ሰውራ ኢንዳስትሪ (ኣብ መጀመርታ 1900 ዓመተ ምሕረት) ወጽዓታት ደቀንስትዮ ዓለምና እናተጋህደ ምስመጽአ ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ናይ ለውጢ ኣተሓስሳስባታት ኪቕልቅልን ኪዓብን ከምዝጀመረ፤ ኣብ 1908 ከኣ ኣስታት 15,000 ዝኾና ደቀንስትዮ ኣመሪካ ኣብ ከተማ ኒው-ዮርክ ናይ ስራሕ

ሰዓታት ኪጎድለለን ክፍሊተን ኪመሓየሸን ወከልተን ኪመርጻ ኪፍቀደለን ዝጠልብ ታሪኻዊ ሰላማዊ ሰልፊ ከምዘካየዳ። ድሕሪ ሓደ ዓመት ከኣ ማሕበርነታዊ ሰልፊ ኣመሪካ 28 ለካቲት ኣብ መላእ ኣመሪካ መዓልቲ ደቀንስትዮ ኮይና ኪትበዓል ከምዝወሰነ፤ እቲ ውሳኔ እቲ ከኣ ንኣርባዕተ ዓመት ዝኣክል ኣብ ነፍሲ ወከፍ መወዳእታ ሰንበት ናይ ለካቲት ኪበዓል ድሕሪ ምጽናሕ በታ ኣብ 1909 ኣብ ኮፐንሄገን ደንማርክ ከም ዓለማዊ መዓልቲ ደቀንስትዮ ኪትበዓል ዝተወሰነት ሸሞንተ መጋቢት ከምዝተተከአ፤ ካብ 1911 ኣትሒዙ ከኣ ሸሞንተ መጋቢት ከም ዓለማዊ መዓልቲ ደቀንስትዮ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ይዝከርን ይኽበርን ምህላዉ፤ ሓርነታዊ ቓልስና ከኣ ድርብ ወጽዓን ጭኮናን ደቀንስትዮ ሰይሩ ምዕሩይ ሕብረተሰብ ንምፍጣር ይቃለስ ምህላዉን ኣብ መጻኢት ኤርትራ ደቀንስትዮና ኣብቲ ብቓልሰን ዘረጋግጸኦ ናጽነት ኩሉ ሰብኣዊ መሰላተን ተሓልዩ ቀሲነን ከቢረንን ኪነብራ ሙዃነን ኣስተምህሮ ይወሃበና ነይሩ።
              ድሕሪ’ቲ ሰሚናራትን ኣስተምህሮን ከኣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣሃዱታት ኣብ ግንባርን ደጀንን  በብዓቕምና ንኽብሪ እታ ዕለት ዝገልጽ መደባት ማለት፡ ግጥምታት፡ ደርፍታት፡ ተዋስኦታት ስእልታትን ምዝንጋዕን፡ ብምቕራብ ድርብ ጭኮናን ወጽዓን ደቀንስትዮ ተሳዒሩ መሰል ማዕርነት ኪኽበርን ንጭርሕን ንምድርን ነይርና። ግደ ሓቂ ከኣ ምዑታት ኤርትራውያን ተቓለስቲ ደቀ-ንስትዮና ባዕላተን ኢየን ደፊአን ኣብ ቓልሲ ሓርነት ተሳቲፈን። ብጀግንነተንን ስረአንን ከኣ ነቲ ዘስተናዕቐንን ዘነኣእሰንን ዝነበረ ተባዕታዊ ልዕልና ሰይረን ማዕርነተን ብግብሪ ኣረጋጊጸን። ታሪኽን ጀግንነትን ኤርትራውይና ታቓለስቲ ኣዘንቲኻ ዝውዳእ ኣይኮነን - ማዕሪኡ ከኣ እቲ ዝተሰበረ መብጽዓን ዝተጠልመ መሰለንን እውን ከምኡ።  

          ዓመት መጽአ ኣብ ሸሞንተ መጋቢት ኤርትራውያን ተቓለስቲ ደቀንስትዮ ኣብቲ መሪር ቓልሲ ዘርኣየኦ ጀግንነት፡ ተወፋይነት፡ ጽንዓት፡ መኸተን ትብዓትን፡ ወዘተ ወዘተ እናጠቐስና ንቕየአን ዝነአንን ንኢድና ኣይንጸግቦን ኢና። ከነቆናጅዎ ዘይኮነ ከኣ ልዕሊ ሓቂ ዝደመቐ ሓቂ ስለዝኾነ ኢዩ።
        ትማል ጀጋኑ ደቀንስትዮና ነዛ ብደመ ረሃጸን ሓርነት ከረጋግጻ ምስ ሰብኣዊ ባህርይን ባህርን  እናተቓለሳ ብቦምባ ኢድ ታንክታት ዝማረኻ ጸላእተን ኪሳዕ ዝምስክሩለን “ሓራስ ነብሪ!!” ዝተባህላን ቅያን ተኣምርን ዝሰርሓ ኢየን። ወትሩ ካብ ሕሉፍን ታሪኽን ስለእንብገስ ከኣ ትማልስ ሰሪሐን ሎሚኸ ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ኩነታት ኣለዋ ኢልና ህሉው ኩነታት ኪንምርምርን ክንድህስስብ ኣገዳሲ ኢዩ።
          እተን ኣብ ቓልሲ ሓርነት ተኣምር ዝሰርሓ ደቀንስትዮና ድሕሪ ናጽነት በቲ ንኹሉ ተጋዳላይን ሕብረተሰብ ኤርትራን ዝጠለመን ዝኸሓደን ስርዓት ተጠሊመን ኢየን። እተን ትማል ኣብ ቓልሲ ሓርነት ምእንቲ ርሁው መጻኢ ኪብላ ዝሰንከላን ዝመኸናን ደቀንስትዮ ተኻሒደን ኢየን። እተን ኣብ ፈቐዶ ወጻኢ ሃገራት ተሰዲደን ዘዝሓዝኦን ዘዘረምሰሰኦን ንሃገር ዘወፍያ ዝነበራ “ኣደ - ሰውራ” እናበልና ብቕጽል እንጽወዐን ዝነበርና ኣዴታትና ኣብ እርጋነንን ድኻመንን  ኣይተዘከራን - ኣይከበራን። ዓው ኢልካ ዘይብከዮን አሕሊፍካ ዘይወሃብ ውላድ ከስዐ ኮይኑወን  ጨጓር ንውሽጢ ኮይኑወን ከም ደም ስኒ ይውሕጠኦ ኣለዋ።  ግን ኪሳዕ መዓስ’ዩ መኺርካዮ ዘይሰምዕ፡ ሚዕድካዮ ዘይርዳእ፡ ለሚንካዮ ዘይርህርህ፡ ሓቲትካዮ ዘይምልስ መላኺን ጨኳንን ስርዓት ኪትመሻኸኖ ኪትነብር። እዚ ሕድርን መብጽዓን ምምስራት ዲሞክራሲያዊት ቅዋማዊት ሃገር ጠሊሙ ንሃገር ብፍጹም ምልኪ ዘድምያ ዘሎ ስርዓት ኪእለ ኣለዎ።
         ደቀንስትዮ ኤርትራና ከኣ ማዕረ እተን ቅድሚ ሚእቲ ዓመት ኣብ ጎደናታት ኣመሪካን ኤውሮጳን መሰለን ንኪኽብረለን ዝጨረሓ ነዛ እነኽብራን እንዛረበላን ዘሎና ዕለት ክውንቲ ዝገበራን ደቀንስትዮ ዓለምና ብደምን መስዋእትን ድርብ ዋጋ ከፊለን ናጽነት ህዝበን ኣረጋጊጸን ኢየን። እንተኾነ ግን ናጽነተን ተጠሊሙመጻወቲ ውሑዳት ጉጅለ ምልኪ ስለዝኾና  ነቲ ካብ ኢድ ባዕዲ ዝመንጠለኦ ናጽነት ካብ ኢድ መላኺ ወዲ ሃገር ኪምጥለኦ ኣለወን።
ህዝቢ ኤርትራ ንመጻኢ ራህዋ እናሓለመን እናሓለነን’ዩ ብሓባር ብምክብባር ንኺነብር ክቡር ዋጋ ከፊሉ። እቲ ሓፋሽ ህዝቢ ዋጋ ዝኸፈለሉ ውሑዳት ስሱዓት ከጋይጽሉን ኪብለጹሉን ኣይኮነን ዕምበባ ደቁን ወፍዩ።
         ሓደ እዋን ሓንቲ ብጸይቲ ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ “ ኣብ ሕሉፍ ቅያታትና ኣይንንበር” ኪትብል ጽሒፋ ነይራ። መሪር-ምቁር ዝኽርታት ህይወት (ኖስታልጃ) ዘይተርፍ መኻይዲ ደቂ ሰባት ስለዝኾነ - ኣየወ ቐደም ዝገበርናዮ ምባል ዘይተርፍ ዘይኮነ ነቲ ቐደም ዝሰራሕካዮ ሕጂ እንተዘይዓቂብካዮን ብግብሪ እንተዘይደሪዕካዮን ገይረ ምባል ዛንታ ጥራሕ ኢዩ ዝከውን - ሕሉፍ ዛንታ።
ስለዚ እተን ትማል “ማዕርነት ብስራሕ ተኻፋልነት” እናበላ  ኣብ ጎድኒ ደቂ ተባዕትዮ ብጾተን ኮይነን ዝሰርሃን ዝመርሓን፤ ብቖራጽነተን ጸላእተን ዘርዓዳ ብተወፋይነት ንአሕዋተን ዘሐበና  ድርብ ቓልሲ ኣካይደን ንተባዕታዊ ልዕልና ዝመከታን ዝበደሃን ሃገራውያን ተቓለስቲ ሎሚ ህይወተን ተበላሽዩ፤ ዓቕመ ኣዳም ዝበጽሓን ዘይበጽሓ ዕሸላት ደቀንን ናእሽቱ አሕዋተንን መፍቶ ነጋዶ ኣካላት ደቂ ሰብ ኮይነን ኣብ ሲናይን ሰሃራን እናተሳቐያ ደኒነን ኪቑዝማን ኪነብዓን ጥራሕ የብለንን። ዓው ኢለን ፍትሒ ይንገስ ኢለን ክጭርሓ ኣለወን። እቲ ኹሉ ዝተኻየደ ቓልሲ ንመሰል ኢዩ ነይሩ እምበር መሰል ኣብ ዘየረጋግጽ ስማዊ ባይቶ 30 ሚእታዊት መናብር ንምርካብ ኣይነበረን።
         ጓለንስተይቲ ብርሃን ሕብረተሰብ ኢያ፤ ጓለንስተይቲ ኣደን ሓፍትን ኢያ። ንሳ መምህርን በዓልቲ ቤትን  እውን ኢያ።  ምንጪ ፍቕርን  ምርድዳእን ስኒትን ምክብባርን እውን ኢያ።  ስለዚ እዘን ብሕሉፈን ዝሕበና ደቀንስትዮና ሎሚ እውን ዘተኣማምን መጻኢ ኪምስርታ፡ ኣብ ከተማን ገጠርን፣ ኣብ ውሽጢን ወጻኢ ሃገርን ብሓደ ድምጺ ፍትሒ ይንገስ ምልኪ ይፍረስ ኪብላ ኪበቕዓ ኣለወን። ብዘይ ፍትሒን ርጉጽ ፍትሓዊ ትካላትን ከኣ ሃገር ኪትስጉምን ኪትዓብን ኣይሕለምን ኢዩ።


Share this post

Submit to FacebookSubmit to Google PlusSubmit to TwitterSubmit to LinkedIn



Powered by Joomla!®. Designed by: free hosting no ads resell dot me domains Valid XHTML and CSS.